ሌላ ምስ ዓበይቲ መሻይኽና ኢማም ኣቡ ሓኒፋ
ኩላህና ከምንፈልጦ፡ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ናይ እስልምና መዝሃባት(ኣስተምህሮ) መዝሃብ ሓነፊ ይባሃል። እዚ መዝሃብ’ዚ ብኣቡ ሓኒፋ ኣል-ኑዕማን (ረቢ ይርሓመሎም) ዝተባሃሉ ናይ እስልምና ዓሊም(ሊቅ) ዝተጻሓፈ ናይ ዲን ኣስተምህሮ’ዩ። ንሎሚ እቲ ቀንዲ መልእኽትና ሒወት ታሪኾም ምዝርዛር ዘይኮንስ፡ ሓንቲ ካብቲ ብኒእሽተኦም ዝገበርዋ ቂያ ንምትራኽ’ዪ።
ዘመን ከምዚ ሎሚ ከይኮነ፡ ኣብ ግዜ ኣቡ ሓኒፋ እዋን፡ ባቕዳድ(ዒራቅ) እታ ዝዓበየት ዋና ኸተማ ናይ እስልምና’ያ ዝነበረት። ይባሃል ሓደ ግዜ፡ ናይ ሮም (Rome) መራሒ ንጉስ መልእኽተኛ ናብ ባቕዳድ ሰዲዱ፡ ነቶም ዑለማ ናይ ኣስላም ሰለስተ ሕቶታት- ምምላሰን ዘጸግማ ዝኾና- ክሓቶም ኣዘዞ። እቲ መልእኽተኛ ናብቲ ከተማ ምስ ኣተወ፡ ናብቲ ኸሊፋ- ኣማሓዳሪ- መጽዪ በሎ፡ ናይ እምነትኩም ፈላጣት ክምልስዎ ዘይክእሉ ሕቶታት ሒዘ መጺየ’ለኹ’ሞ ምስኦም ኣራኽበኒ በሎ። እቲ ኸሊፋ መዓልቲ ወሲኑ ንኹሎም ዑለማ መሻይኽ ቆጸራ ገበረሎም።
ኣቀድም ኣቢሉ ቅድሚ እቲ ናይ ክትዕ መዓልቲ ምእካሉ፡ መብዛሕቶም እቶም መሻይኽ በዚ ጉዳይ ቡዚሕ ጭንቀት ሓደሮም። ምኽንያቱ’ስ እንተዳኣ ሕቶ ናይዚ መልእኽተኛ ምምላስ ሰኒፎም፡ ንዲኖም ከሕስሩን ናይቶም ሓፋሽ ኣመንቲ ኣስላም ሞራሎም ክሰብሩ ጭራስ ስለ ዘይደለዩ። ኣቡ ሓኒፍ (ረቢ ይርሓመሎም) ነቲ ሸኾም ኣብ ዓቢ ሓሳባት ተዋሒጦም ክጭነቁ ምስ ረኣዪ፡ በሉዎም፡ ኣንቱም ሸኸይ በጃኹም ቅድሚ ንስኹም ምስኡ ምግጣምኩም ነዓይ ኣሕልፉኒ። እንተ ረታዕክዎ ኒዕማ፡ አንተዘይኮነ ድማ እንታይ ከምዝሓተተኒ ካብኡ መዚንኩም ተዳሊኹም ትግጥሙዎ ኢሎም ንሽኽናኦም ኣርገጽዎም።
እታ መዓልቲ ምስ ኣኸልት፡ እቲ ኸሊፋ ነቶም ኩሎም ናይታ ዓዲ ዑላማ ኣብ ዓቢ ኣዳራሽ ኣከቦም። እቲ ናይ ሮም ሉኡኽ ኣብ ቅድሚ እዞም ኩሎም ሕዝቢ ኣብ መድረኽ ድይቡ በሎም፡ ኣነ ሰልስተ ሕቶታት ሒዘ ቀሪበኩ ’ለኹ። እንተዳኣ ሕቶይ ብዝግባእ መሊስኩም፡ ካብ ንጉስ ሒዘዮ ዝመጻእኩ ማእለያ ዘይቡሉ ሃብቲ ክትሽለሙ ‘ኹም። እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ሓታቲ ግን፡ ንስለ ፍልጠት ደልዪ ዘይኮነ’ስ፡ አንታይደኣ፡ ንዲነል ኢስላም ከስተናዕቅን ንኣመንቱ ድማ ከዋርድን ዝተኣለመ እከይ ዓላማ’ዪ።
እቲ ሓታቲ ዘረብኡ ጀሚሩ ከምዚ በለ” አንምባኣር አተን ሰለስተ ሕቶታተይ ከምዚ ዝስዕባ ኢይን፡
- ኣላህ ኣሎ ትብሉ፡ እሞ ቅድሚ ኣላህ’ከ መን ኔሩ?
- ናበይ ኣቅጣጫ (ወገን) ናይ ኣላህ ገጽ ይጥምት?
- ኣብዛ ንዛረበላ ዘለና እዋን’ከ ኣላህ እንታይ ይገብር ኣሎ?
እቶም ኩሎም እኩባት ሰባት ንእዋኑ ጸጥ በሉ።
እስኪ ንነብስና ኣብዛ ኣኼባ ከም ዘላ ጌርና ንሕሰባ፡ እንታይ ኢልና መልሲ ምሃብና መስለኩም? መቸም ብዛዕባ ንዓናን ንመናባብሮና ዝምልከት ጉዳይ እንተዝኸውን፡ ዝመስለና መልሲ ምስ ሃብና፡ እንተኾነ ግን ባዛዕብ ንኣላህ ዝምልከት ብዘይ ፍልጠት ብግምት መልሲ ክንህብ ኣይንደፍርን።
እሞ ካብዛ መጻወድያ ፈተና ብከመይ ዲሒኖም ይምስለኩም?
ኹሉ ሰብ ድሕሪ ንቑሩብ ደቃይቅ ጸጥ ምባሉ፡ ኣቡ ሓኒፋ ካብ ሸኽናኦም ፍቓድ ወሲዶም ብድድ በሉ። ኣቡ ሓኒፋ ተሲኦም ነቲ ኣኼባ ዘማሓድሮ ዝነበረ ኸሊፋ (ኣሚር ናይ ሙስሊሚን) ፍቃድ ክህቦም ሓተቱ። እቲ ኸሊፋ በቲ ናይ ኣቡ ሓኒፋ ትብዓትን ድፍርትን ተዓጂቡ ፡ ሕራይ ተፈደል ኢሉ ናይ ሞራል ድጋፍ ኣርኣዮም።
እቲ ሮማዊ ኣብ ላዕሊ መድረኽ ኮይኑ፡ ኣቡ ሓኒፋ ካኣ ኣብ ታሕቲ ቦታ ደው ኢሎም ቆይሞም እቲ ክትዕ ተጀመረ።
እቲ ሮማዊ - “ስማዕ ኣታ ቆልዓ፡ እ’ምባኣር አታ ናይ መጀመሪያ ጥያቀይ፡ እንታይ ኔሩ ቅድሚ ኣላህ?”
ኣቡ ሓኒፋ - ቅጽሪ ሙቅጻር ትኽእል’ዶ ? ክብሉ ሓተትዎ
ሮማዊ - እወ በለ፡ (ብውሽጡ ግን እንታይ ‘ዩ ዝቆልዓ ዘይረብሕ ሕቶ ዝሓተኒ ኢሉ ኣስተናዓቀ)
ኣቡ ሓኒፋ - አምባኣር ካብ ዓስርተ ጀሚርካ ንታሕቲ ዘሎ ቁጽሪ ንገረኒ
ሮማዊ - እቲ ሮማዊ ብናይ ሕጫጬ ዓይነት ጌሩ፡ ካብ ዓሰርተ ንታሕቲ ዘሎ ቁጽሪ ክቆጽር ጀመረ፡ ዓሰርተ- ትሻዓተ,…. እንዳበላ ስጋብ ሓደ ቆጺሩ ደው በለ
ኣቡ ሓኒፋ - አንታይ ቁጽሪ ይመጽእ ቅድሚ ሓደ ክብሉ ሓተቱዎ
ሮማዊ - ቅድሚ ሓደ ዳኣ ወላሓንቲ ቅጽሪ ዝባሃል የለን በለ
ኣቡ ሓኒፋ - እምባኣር እንድሕር ዳኣ ቅድሚ ቂጽሪ ሓደ ወላሓንቲ ከምዘየለ ካብ ኣመንካ፡ እሞ ከመይ ጌርካ ትጽበ ቅድሚ ሓደ ኣላህ ካልእ ነገር ክህሉ? ንሱ ናይ ሓቂ ጎይታ፡ ሓንቲ ነገር ካብኡ ዘይትሕቦኦ፡ ዘልኣለማዊ ነባር፡ ናይ መጀመርያ ናይ መጨርስታ፡ ናይ ጉሁድን ሕብኡን ጉዳይ ዝፈልጥ አዪ።
እቲ ሮማዊ በቲ ኣቡ ሓኒፋ ዝሃቡዎ ዘእምን መልሲ ፈዚዙ፡ ዳሓን ኣብዛ ካላኣይቲ ሕቶ ክትጻዋድ’ኻ ብማለት ፈኪሩ ናብታ ካላኣይቱ ሕቶ ክሓትት ጀሚረ።
ሮማዊ- ናበይ ኣቅጣጫ (ወገን) ገጽ ናይ ኣላህ ይጥምት?
ኣቢ ሓኒፋ- ሽምዓ ኣምጺእካ ወላዓያ’ም ካብኡ ንገረኒ ናበይ ወገን እቲ ነበልባል ብርሃን ሓዊ (Flame) ይጥምት ከምዘሎ ንገረኒ ክብሉ ሓተቲዎ።
ሮማዊ - እቲ ነባልባል ብርሃን ሓዊ ዳኣ ናብ ኩሉ ወገን - ሰሜን፡ ደቡብ፡ ምስራቅ፡ ምዕራብ’ዪ ዝጥምት፡ ናብ ሓደ ውስን ኣቅጣጫ ዝጥምት ኣይኮነን
ኣቡ ሓኒፋ- ስማዕ -እዚ መብራህቲ ሽምዓ’ካ ብሓንሳብ ናብ ኩሉ ኣቅጣጫ ክጥምት ካብ ካኣለ፡ እሞ አንታይ’ዳኣ ትጽበ ካብቲ ብርሃን ናይ ሰማይን መሬትን ዝኾነ ጎይታ፡ እቲ ብርሃኑ- ብርሃን ኣብ ርእሲ ብርሃን ዝኾነ፡ ንሱ ድማ ኪኢላ’ዪ ብሓንሳብ ናብ ኩሉ ወገናት ክጥምት፡ ኢሎም ነቅ ዘይብል ማስረጃ ጌርም ኣረዲኡዎ
ስብኣይ ናይታ ቀዳመይቲ ዝፈሸላ ከይታኣኽሎ፡ ኣብታ ኻላኣይቲ’ውን ፈሺሉ ከምዚ ማርሞ ቀዚዙ ነቀጸ፡ እንተኾነ ግን በቲ ናይ ውሽጡ መሊኡ ዝነበረ ህልኽን ንዕቀትን ናይ እስልምና ተደፋፊኡ፡ ኣብታ ሳልስይቲ ሕቶ ደው ከብሎ’የ ነዚ ቆልዓ ብማለት ናብታ ሳልሰይቲ ሕቱኡ ኣምረሔ
ሮማዊ - ሳልሰይቲ ሕቶይ “ ኣብዚኣ እዋን ኣላህ እንታይ ይገብር ኣሎ ንገረኒ?”
ኣቡ ሓኒፋ - ስምዓኒ፡ ስጋብ ሕጂ ንስኻ ኣብ ላዕሊ መድረኽ ተቀሚጥካ ኣነ ድማ ኣብ ቲሕተኻ ኮይነ ክምልስ ጸኒሔ፡ ሕጂ ንዓይ ዕድል ሃብኒ ኣብ ላዕሊ ኮይነ ክምልስ፡ ንስኻ ኻኣ ናብዚ ታሕቲ ውረድ በልዎ
ሮማዊ - ሕራይ ኢሉ ንታሕቲ ወረደ
ኣቡ ሓኒፋ - ኣብ መድረኽ ምስ ደየቡ ፡ በልዎ- ስማዕ እምባኣር፡ ኣብዛ ጊዜ ’ዚኣ፡ ረበል ዓለሚን ነቲ ሓሳዊ ብዲን እስላም ዝላግጽ ካብ ላዕሊ ቦታ ናብ ትሕቲ ቦታ ኣውሪዱ፡ ነቲ ብሓድነቱ ዝኣምን ካኣ፡ ካብ ታሕቲ ቦታ ናብ ላዕሊ ቦታ ይስቅሎ፡ ነቲ ባዓል ሓቂ ካኣ ከምዝዕወት ይገብሮ ኢሎም ኣዋርድዎ፡
እቲ ሮማዊ በቲ ቆልዓ ኢሉ ዝናዓቆ ተሳዒሩ፡ ርእሱ ኣድኒኑ ሓፊሩ፡ ጭርኡ ኣብ መሬት እንዳጎሰሰ ንዓዱ ተመለስ።
ኣቡ ሓኒፋ ( ረቢ ይርሓምሎም) ናይ እስልምና ሽም ሓፍ ኣቢሎም፡ ነቶም ሙስሊሚን’ውን ኩርዓት ክምዝስዖም ገበሩ (ኣልሓምዱሊልህ)
ድሕሪ’ዚ ዓቢ ዓወት’ዚ ከምቲ ቀደም ንብሎ ዝነበርና” ወስደ ኣቡ ሓኒፋ በዓል ስረ” እንተበልና እንታይ’ ለዎ? ምኻ’ንሲ ኣላሁ ኣክበር - ኣላሁ ኣክብር - ማለት ይበልጽ።
ኣቡ ሓኒፋ ዕልሞም ቀጺሎም፡ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ናይ እስልምና መሻይኽ ክኾኑ በቂዖም ( ረቢ ይርሓመሎም)
ኩቡራት ኣንበብቲ ፡ ነዞም ዓበይቲ መሻይኽና ንእስልምና ብዘለዎም ክእለትን ፍልጠትን ኣገልጊሎም ሓሊዎም ተኻኒኺኖም ናባና ከምዝበጽሕ ዝገበርዎ ረቢ ይርሓመልኩም ኢልና ዱዓ ምግባር ኣይንሕመቅ!
ረቢ ይርሓመልኩም: ኣሚይን
Last modified on Tuesday, 01 January 2019 08:17