ምዕራፍ ናይ ብብዝሒ ምጅሃር

ምዕራፍ ናይ ብብዝሒ ምጅሃር

بسم الله الرحمن الرحيم

 

أَلْهَاكُمُ التَّكَاثُرُ (1

ብብዝሒ ገንዘብን ውላድን ምውድዳር ካብ ንጎይታኹም ምግዛእ ኣዘንጊዑኩም

 

حَتَّىٰ زُرْتُمُ الْمَقَابِرَ (2

ዝንጋዔኩም ማራ ሓሊፍዎ ስጋብ ሞይትኩም ኣብ ቀብሪ ትድፈኑ ቀጺልኩም

 

كَلَّا سَوْفَ تَعْلَمُونَ (3

ኣይፋልኩሙን!ይእከልኩም!ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ናይ ዝንጋዔኹም ጠንቂ  ሳዕቤን ክትፈልጡ ኢኹም

 

ثُمَّ كَلَّا سَوْفَ تَعْلَمُونَ (4

እንደገና ኣይፍልኩሙን፡ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ናይ ዝንጋዔኹም ጠንቂ ክትፈልጡ ኢኹም

 

كَلَّا لَوْ تَعْلَمُونَ عِلْمَ الْيَقِينِ (5

ኣይፋልኩሙን፡ንስኹም ‘ኮ በሓቂ እቲ ተረጋገጸ ፍልጠት እንተትፈልጡ ኔርኩም (ካብ ንጎይታኹም ምግዛእ ኣይምዘንጋዕኩሙን ኔርኩም)

 

لَتَرَوُنَّ الْجَحِيمَ (6

ብርግጽ ጀሃነም ክትርእይዋ ኢኹም

 

ثُمَّ لَتَرَوُنَّهَا عَيْنَ الْيَقِينِ (7

ብድሕሪኡ ‘ውን ንጀሃነም ብጋህዲ-ዓይኒ ክትርእይዋ ኢኹም

 

ثُمَّ لَتُسْأَلُنَّ يَوْمَئِذٍ عَنِ النَّعِيمِ (8

 ብድሕሪ ‘ውን በቲ ኣላህ ዝሃበኩም ሺሻይ ብርግጽ ክትሕተቱ ኢኹም።


 

Leave a comment

Go to top