ምዕራፍ ናይ’ቲ ሕሜታ

ምዕራፍ ናይቲ ሕሜታ

بسم الله الرحمن الرحيم

 

 

وَيْلٌ لِّكُلِّ هُمَزَةٍ لُّمَزَةٍ (1

ወይሉኡ፡ ቡርቱዕ መቕጻዕቲ ለዎ ንኹሉ ሓማይን መካፍእን መላገጽን ዝኾነ ሰብ

 

الَّذِي جَمَعَ مَالًا وَعَدَّدَهُ (2

እቲ ቀንዲ ሻቅሉኡ፡ ገንዘብ ምድላብን ምቁጻርን ጥራሕ ዩ፡ ካልእ ወላሓንቲ ሓሳብ የብሉን

 

يَحْسَبُ أَنَّ مَالَهُ أَخْلَدَهُ (3

እቲ ዝኣከቦ ገንዘብ ካብ ሞት ኣድሒኑ ዘልኣላማዊ ነባሪ ዝገብሮ ይመስሎ

 

كَلَّا  لَيُنبَذَنَّ فِي الْحُطَمَةِ (4

ኣይፋሉን እቲ ነገር ከምቲ ንዑኡ ዝመስሎ ኣይኮነን፡ በል ደኣ ብርግጽ ኣብታ ሓምሻሺት ጀሃነም ክድርበ

 

وَمَا أَدْرَاكَ مَا الْحُطَمَةُ (5

ኣንታ ሉኡኽ ኣላህ እንታይ ኣፍለጠካ ብዛዕባ ዛ ኣልሑጠማ

 

نَارُ اللَّهِ الْمُوقَدَةُ (6

ንሳ ብቐጻሊ ትነድድ፡ ጭራስ ዘይትቅህም ዝኾነት ሓዊ ናይ ኣላህ

 

الَّتِي تَطَّلِعُ عَلَى الْأَفْئِدَةِ (7

ንሳ ብኹቱር ብርታዔኣ፡ ንኣካላት ኣንዲዳ ናብ ልብታት ትበጽሕ

 

إِنَّهَا عَلَيْهِم مُّؤْصَدَةٌ (8

ብርግጽ፡ ንሳ ኣብልዕሊኦም ተሸጊጣ ተዓጸወት

 

فِي عَمَدٍ مُّمَدَّدَةٍ (9

ብተዘርገሔ ነዊሕ ዓንድታት ተጋሪዳ ተዓጸወት ‘ያ (ጭራስ መውጺኢ መህደሚ ዝባሃል የብላን)


 

Leave a comment

Go to top