ምዕራፍ ናይቲ ኣቐሓ ምልቃሕ

ምዕራፍ ናይቲ ኣቐሓ ምልቃሕ

بسم الله الرحمن الرحيم

 

أَرَأَيْتَ الَّذِي يُكَذِّبُ بِالدِّينِ (1

ሪኢኻያዶ (ፈሊጥካዮዶ) እቲ ብመዓልቲ ትንሳኤን ጸባጻብን ዝኽሕድን ዝሕስውን ዘሎ ሰብ?

 

فَذَٰلِكَ الَّذِي يَدُعُّ الْيَتِيمَ (2

ንስ‘ዩ እቲ ንዘኽታም ብሓይሊ ደፊኡ ዘባርርን፡ መሰሉ ዝገፍፍን ዝቅንጥጥን  ዝኾነ

 

وَلَا يَحُضُّ عَلَىٰ طَعَامِ الْمِسْكِينِ (3

ንሱ ኣብ ንድኻታት  ምዕንጋል ንኻሎት ኣይቅስቅስን ኣይተባብዕን

 

فَوَيْلٌ لِّلْمُصَلِّينَ (4

ወይለኦም! ቡርቱዕ መቕጻዕቲ ‘ለዎም ነቶም ሰገድቲ

 

الَّذِينَ هُمْ عَن صَلَاتِهِمْ سَاهُونَ (5

እቲ‘ኦም ካብ ሰላቶም ዙንጉዓትን፡ ጉቡኣን እዋናን ካብ ምሕላው ሸለል በሃልቲ ዝኾኑ

 

الَّذِينَ هُمْ يُرَاءُونَ (6

እቲ‘ኦም ኣብ‘ቲ ዝገብርዎ ተግባር ንረኣዩለይ ኢሎም ዝሰርሑ

 

وَيَمْنَعُونَ الْمَاعُونَ (7

ንኣቓሓ ምልቃሕ ዝለሞኖም ድማ ከላእቲ ዝኾኑ ‘ዮም።


 

Leave a comment

Go to top