ምዕራፍ ናይ'ቲ ተፋሕሰ-ገመድ
ናይቲ ተፋሕሰ-ገመድ ምዕራፍ
ተግባራዊ ናይ ተጅዊድ ልምምድ ኣብ ሱረት ኣልመሰድ
بسم الله الرحمن الرحيم
تَبَّتْ يَدَا أَبِي لَهَبٍ وَتَبَّ (1
ጠፈኣ ኸሰራ ኣእዳው ናይ ኣቡ ለሃብ(ሓወ’ቦኦም ንሰይድና ሙሓመድ ሰዓወ)። ብርግጽ ድማ ጠፊኤን ‘የን፡ ብሰንኪ ንሉኡኽ ኣላህ ሙግዱኡን ምጽራሩን
مَا أَغْنَىٰ عَنْهُ مَالُهُ وَمَا كَسَبَ (2
ንዕኡ ኣይጠቕሞን ‘ዩ ገንዘቡን ወላ’ውን ውላዱን፣ ካብቲ ናይ ኣላህ መቅጽዕቲ ከድሕኖ ‘ውን ጭራስ ኣይኽእልን ‘ዩ
سَيَصْلَىٰ نَارًا ذَاتَ لَهَبٍ (3
ክኣትው ‘ዩ ኣብታ ሓዊ ባዓልቲ ሃልሃልታ ዝኾነት
وَامْرَأَتُهُ حَمَّالَةَ الْحَطَبِ (4
ከምኡ ‘ውን ሰበይቱ፡ እታ እሾኽ ተሸኪማ ኣብ መንገዲ ሉኡኽ ኣላህ ትድርብይ ዝነበረት፡ ምስኡ ሓቢራ ሓዊ ጀሃነም ክትኣትው ‘ያ
فِي جِيدِهَا حَبْلٌ مِّن مَّسَدٍ (5
ኣብ ልዕሊ ክሳዳ ብጽኑዕ ተፋሓሰ ተሪር ገመድ ተቐሚጡ፡ ብኡኡ ተጎቲታ ናብ ሓዊ ጀሃነም ክትድርበይ ‘ያ
Read 1383 times