ምዕራፍ ናይ ብብዝሒ ምጅሃር
بسم الله الرحمن الرحيم
أَلْهَاكُمُ التَّكَاثُرُ (1
ብብዝሒ ገንዘብን ውላድን ምውድዳር ካብ ንጎይታኹም ምግዛእ ኣዘንጊዑኩም
حَتَّىٰ زُرْتُمُ الْمَقَابِرَ (2
ዝንጋዔኩም ማራ ሓሊፍዎ ስጋብ ሞይትኩም ኣብ ቀብሪ ትድፈኑ ቀጺልኩም
كَلَّا سَوْفَ تَعْلَمُونَ (3
ኣይፋልኩሙን!ይእከልኩም!ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ናይ ዝንጋዔኹም ጠንቂ ሳዕቤን ክትፈልጡ ኢኹም
ثُمَّ كَلَّا سَوْفَ تَعْلَمُونَ (4
እንደገና ኣይፍልኩሙን፡ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ናይ ዝንጋዔኹም ጠንቂ ክትፈልጡ ኢኹም
كَلَّا لَوْ تَعْلَمُونَ عِلْمَ الْيَقِينِ (5
ኣይፋልኩሙን፡ንስኹም ‘ኮ በሓቂ እቲ ተረጋገጸ ፍልጠት እንተትፈልጡ ኔርኩም (ካብ ንጎይታኹም ምግዛእ ኣይምዘንጋዕኩሙን ኔርኩም)
لَتَرَوُنَّ الْجَحِيمَ (6
ብርግጽ ጀሃነም ክትርእይዋ ኢኹም
ثُمَّ لَتَرَوُنَّهَا عَيْنَ الْيَقِينِ (7
ብድሕሪኡ ‘ውን ንጀሃነም ብጋህዲ-ዓይኒ ክትርእይዋ ኢኹም
ثُمَّ لَتُسْأَلُنَّ يَوْمَئِذٍ عَنِ النَّعِيمِ (8
ብድሕሪ ‘ውን በቲ ኣላህ ዝሃበኩም ሺሻይ ብርግጽ ክትሕተቱ ኢኹም።
ምዕራፍ ናይ’ቲ ግዜ
بسم الله الرحمن الرحيم
وَالْعَصْرِ (1
ኣላህ ይምሕል ብግዜ ወይ ብወቅቲ ናይ ዓስሪ
إِنَّ الْإِنسَانَ لَفِي خُسْرٍ (2
ብርግጽ ወዲ ሰብ ኣብ ጥፍኣትን ኽሳራን‘ዩ ዘሎ
إِلَّا الَّذِينَ آمَنُوا وَعَمِلُوا الصَّالِحَاتِ وَتَوَاصَوْا بِالْحَقِّ وَتَوَاصَوْا بِالصَّبْرِ (3
ብዘይካ እቲ‘ኦም ብኣላህ ኣሚኖም ሰናይ ስራሕ ዝገብሩን፣ ነንሕድሕዶም ብሓቂ ነገር ተመዓዓዱን፣ ትዕግስቲ ብምግባር ተላባውን ጥራሕ ክተርፉ።
ምዕራፍ ናይ’ቲ ሕሜታ
بسم الله الرحمن الرحيم
وَيْلٌ لِّكُلِّ هُمَزَةٍ لُّمَزَةٍ (1
ወይሉኡ፡ ቡርቱዕ መቕጻዕቲ ‘ለዎ ንኹሉ ሓማይን መካፍእን መላገጽን ዝኾነ ሰብ
الَّذِي جَمَعَ مَالًا وَعَدَّدَهُ (2
እቲ ቀንዲ ሻቅሉኡ፡ ገንዘብ ምድላብን ምቁጻርን ጥራሕ ‘ዩ፡ ካልእ ወላሓንቲ ሓሳብ የብሉን
يَحْسَبُ أَنَّ مَالَهُ أَخْلَدَهُ (3
እቲ ዝኣከቦ ገንዘብ ካብ ሞት ኣድሒኑ ዘልኣላማዊ ነባሪ ዝገብሮ ይመስሎ
كَلَّا لَيُنبَذَنَّ فِي الْحُطَمَةِ (4
ኣይፋሉን! እቲ ነገር ከም‘ቲ ንዑኡ ዝመስሎ ኣይኮነን፡ በል ደኣ ብርግጽ ኣብታ ሓምሻሺት ጀሃነም ክድርበ ‘ዩ
وَمَا أَدْرَاكَ مَا الْحُطَمَةُ (5
ኣንታ ሉኡኽ ኣላህ እንታይ ኣፍለጠካ ብዛዕባ ‘ዛ ኣልሑጠማ?
نَارُ اللَّهِ الْمُوقَدَةُ (6
ንሳ ብቐጻሊ ትነድድ፡ ጭራስ ዘይትቅህም ዝኾነት ሓዊ ናይ ኣላህ ‘ያ
الَّتِي تَطَّلِعُ عَلَى الْأَفْئِدَةِ (7
ንሳ ብኹቱር ብርታዔኣ፡ ንኣካላት ኣንዲዳ ናብ ልብታት ትበጽሕ ‘ያ
إِنَّهَا عَلَيْهِم مُّؤْصَدَةٌ (8
ብርግጽ፡ ንሳ ኣብልዕሊኦም ተሸጊጣ ተዓጸወት ‘ያ
فِي عَمَدٍ مُّمَدَّدَةٍ (9
ብተዘርገሔ ነዊሕ ዓንድታት ተጋሪዳ ተዓጸወት ‘ያ (ጭራስ መውጺኢ መህደሚ ዝባሃል የብላን)
ምዕራፍ ናይ’ቲ ሓርማዝ
بسم الله الرحمن الرحيم
أَلَمْ تَرَ كَيْفَ فَعَلَ رَبُّكَ بِأَصْحَابِ الْفِيلِ (1
ኣንታ ሉኡኽ ኣላህ ፈሊጥካዶ ‘ለኻ ጎይታኻ ኣብ ልዕሊ ’ቶም ሰብ ሓርማዝ ከመይ ከምዝገበረ?
أَلَمْ يَجْعَلْ كَيْدَهُمْ فِي تَضْلِيلٍ (2
እቲ ዝኣለምዎ ውዲት (ንካዕባ ከፍርሱ) ከንቶ ኣብ ጥፍኣት ዶ ኣይገበሮን?
وَأَرْسَلَ عَلَيْهِمْ طَيْرًا أَبَابِيلَ (3
ኣብ ልዕሊኦም እኩባት እኩባት ኮይነን ዝሃጅማ ጭፍራታት ኣዕዋፍ ለኣኸሎም
تَرْمِيهِم بِحِجَارَةٍ مِّن سِجِّيلٍ (4
ኣብ ሓዊ ጀሃነም ተጠቢሱ ከውሒ ዝኾነ እምኒ ትውርውረሎም
فَجَعَلَهُمْ كَعَصْفٍ مَّأْكُولٍ (5
ልክዕ ከምዚ እንሳሳ ሳዕሪ በሌዐን ናብ ፋንዲያ ዝቅየር ኮይኖም ከምዝተርፉ ገበሮም
ምዕራፍ ናይ ቁረይሽ
بسم الله الرحمن الرحيم
لِإِيلَافِ قُرَيْشٍ (1
ምእንቲ ነቲ ልማድ ናይ ቁረይሽ ንምውሓስን ንምቅላልን
إِيلَافِهِمْ رِحْلَةَ الشِّتَاءِ وَالصَّيْفِ (2
ኣብ ግዜ ክረምቲ ናብ የመን፡ ኣብ ግዜ ሓጋይ ድማ ናብ ሻም፡ ብሰላምን ኣማንን ናይ ንግዲ ጉዕዞ ዘላማመዶም
فَلْيَعْبُدُوا رَبَّ هَٰذَا الْبَيْتِ (3
ስለዚ፡ ነዚ ጉዕዞ ዘቅለለሎም ዋና‘ዚ ገዛ (ካዕባ) ዝኾነ ጎይታ ይገዝኡ
الَّذِي أَطْعَمَهُم مِّن جُوعٍ وَآمَنَهُم مِّنْ خَوْفٍ (4
እቲ ንዖኦም ካብ ጥሜት ዘዐንገሎምን ካብ ፍርሂ ዘተኣማመኖም
(በቲ ኣላህ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ዓረብ ዘንበሮ ክብረት ናይ ካዕባን ተቐመጥቲ ህዝባን)
ምዕራፍ ናይቲ ኣቐሓ ምልቃሕ
بسم الله الرحمن الرحيم
أَرَأَيْتَ الَّذِي يُكَذِّبُ بِالدِّينِ (1
ሪኢኻያዶ (ፈሊጥካዮዶ) እቲ ብመዓልቲ ትንሳኤን ጸባጻብን ዝኽሕድን ዝሕስውን ዘሎ ሰብ?
فَذَٰلِكَ الَّذِي يَدُعُّ الْيَتِيمَ (2
ንስ‘ዩ እቲ ንዘኽታም ብሓይሊ ደፊኡ ዘባርርን፡ መሰሉ ዝገፍፍን ዝቅንጥጥን ዝኾነ
وَلَا يَحُضُّ عَلَىٰ طَعَامِ الْمِسْكِينِ (3
ንሱ ኣብ ንድኻታት ምዕንጋል ንኻሎት ኣይቅስቅስን ኣይተባብዕን
فَوَيْلٌ لِّلْمُصَلِّينَ (4
ወይለኦም! ቡርቱዕ መቕጻዕቲ ‘ለዎም ነቶም ሰገድቲ
الَّذِينَ هُمْ عَن صَلَاتِهِمْ سَاهُونَ (5
እቲ‘ኦም ካብ ሰላቶም ዙንጉዓትን፡ ጉቡኣን እዋናን ካብ ምሕላው ሸለል በሃልቲ ዝኾኑ
الَّذِينَ هُمْ يُرَاءُونَ (6
እቲ‘ኦም ኣብ‘ቲ ዝገብርዎ ተግባር ንረኣዩለይ ኢሎም ዝሰርሑ
وَيَمْنَعُونَ الْمَاعُونَ (7
ንኣቓሓ ምልቃሕ ዝለሞኖም ድማ ከላእቲ ዝኾኑ ‘ዮም።
ምዕራፍ ናይ’ቲ ቡዙሕ ኸይር
بسم الله الرحمن الرحيم
إِنَّا أَعْطَيْنَاكَ الْكَوْثَرَ (1
ኦ ሙሓመድ ንሕና ብርግጽ ሂብናካ ኣልከውሰር (ብዙሕ ኸይር ዝሓዘለ ሂያብ፡ ከም ወሓዚ ማይ ኣብ ጀና)
فَصَلِّ لِرَبِّكَ وَانْحَرْ (2
ስለዚ፡ ነዚ ሂያብ’ዚ ምሳጋና ንጎይታኻ ንበይኑ ስገድ፡ ብስሙ ‘ውን ሕረድ
إِنَّ شَانِئَكَ هُوَ الْأَبْتَرُ (3
ብርግጽ እቲ ጸላኢኻ፡ ንሱ ‘ዩ ካብ ኩሉ ጹቡቕ ነገራት ቁሩጹን ሩሱዑን ዝኾነ
ናይ’ቶም ካሓድቲ ምዕራፍ
بسم الله الرحمن الرحيم
قُلْ يَا أَيُّهَا الْكَافِرُونَ (1
ኣንታ ሉኡኽ ኣላህ በሎም ኦ ኣንቱም ከሓድቲ
لَا أَعْبُدُ مَا تَعْبُدُونَ (2
ኣይግዛእን ’የ እቲ ንስኹም ትግዝእዎ ናይ ሓሶት ጣኦታት
وَلَا أَنتُمْ عَابِدُونَ مَا أَعْبُدُ (3
ወላ ንስኹም ተገዛእቲ ኣይኮንኩሙን እቲ ኣነ ዝግዘኦ ሓደ ኣላህ
ولَا أَنَا عَابِدٌ مَّا عَبَدتُّمْ (4
ወላ ኣነ ’ውን ተገዛኢ ኣይኮንኩን እቲ ንስኹም ተገዛእኩሞም ጣኦታት
وَلَا أَنتُمْ عَابِدُونَ مَا أَعْبُدُ (5
ወላ ንስኹም ተገዛእቲ ኣይኮንኩሙን (ንመጻኢ)እቲ ኣነ ዝግዞኦ ሓደ ኣላህ
لَكُمْ دِينُكُمْ وَلِيَ دِينِ (6
ንዓኹም ናይ ሽርክነት ሃይማኖት ኣለኩም፡ ንዓይ ድማ ናይ ተወሒድ ሃይማኖት ዝኾነ እስልምና ኣለኒ።
ምዕራፍ ናይ’ቲ ዓወት
ተግባራዊ ናይ ተጅዊድ ልምምድ ኣብ ሱረት ኣነስር
بسم الله الرحمن الرحيم
إِذَا جَاءَ نَصْرُ اللَّهِ وَالْفَتْحُ (1
(ኣንታ ሙሓመድ ) እንተደኣ ኣላህ ኣብ ልዕሊ ጸላእትኻ ዓወት ኣጓናጺፍካ፣ ከምኡ ‘ውን መካ ሓራ ኣውጺእልካ
وَرَأَيْتَ النَّاسَ يَدْخُلُونَ فِي دِينِ اللَّهِ أَفْوَاجًا (2
ከምኡ ‘ውን ሰባት በብጭፍራ ኮይኖም ንሃማኖት እስልምና ክኣትዉ ኣብዝራኣኻሉ ግዜ
فَسَبِّحْ بِحَمْدِ رَبِّكَ وَاسْتَغْفِرْهُ إِنَّهُ كَانَ تَوَّابًا (3
(እንተደኣ እዚ ብግብሪ ተራጋጊጹ ረኢኻዮ፡ ናይ ንቡዋ መልእኽትካ ክዛዘም ተቓሪቡ ከምዘሎ ፈሊጥካ)
ንጎይታኻ በቲ ዝሃበካ ዓወት እንዳመስገንካ ኣንጻሃዮ፣ ምሕረት ‘ውን ለምኖ፣ ንሱ’ኮ ብርግጽ ንንስሓ(ተውባ) ኣዝዩ ተቐባሊ ዩ።